ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 14-15 ማቴዎስ

ብሒደት ሰባት ንብዙሓት ምምጋብ

ብሒደት ሰባት ንብዙሓት ምምጋብ

ቀቅድሚ እቲ ብ32 ድ.ክ. ዝወዓለ በዓል ፋስጋ፡ የሱስ ተኣምር ገበረ፣ እዚ ተኣምር እዚ ድማ፡ ኣርባዕቲኦም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝመዝገብዎ እንኮ ተኣምር እዩ።

የሱስ በዚ ተኣምር እዚ ኣቢሉ፡ ኣብዚ ግዜና እውን ዚጥቀመሉ ዘሎ መገዲ እንታይ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ።

14:16-21

  • የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ነቶም ህዝቢ ኺምግብዎም ኣዘዞም፣ ንሳቶም ግና ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ጥራይ ነበሮም

  • የሱስ ነቲ እንጌራን ዓሳን ኣልዒሉ ምስ ጸለየ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፣ ንሳቶም ከኣ ነቶም ህዝቢ ዓደልዎ

  • ብተኣምራዊ መገዲ ዅሎም በሊዖም ምስ ጸገቡ፡ ብዙሕ ተረፈ። እወ፡ የሱስ ብሒደት ሰባት፡ ማለት ብደቀ መዛሙርቱ ኣቢሉ ንኣሽሓት መገበ

  • የሱስ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት መንፈሳዊ ምግቢ “ብግዜኡ” ዚህበሉ መትረብ ከም ዚሸይም ተነብዩ ነበረ።—ማቴ 24:45

  • ብ1919፡ የሱስ ኣብ ልዕሊ እቶም ዚምገቡ “ኣገልገልቲ ቤቱ፡” ሒደት ጕጅለ ቕቡኣት ክርስትያናት ዝሓቘፈ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ሸመ

  • የሱስ በዞም ሒደት ጕጅለ ቕቡኣት ኣሕዋት ኣቢሉ፡ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተጠቕመሉ መገዲ ሕጂ እውን ይጥቀመሉ ኣሎ

ነቲ የሱስ ንህዝቡ ብመንፈሳዊ መዳይ ንምምጋብ ዚጥቀመሉ ዘሎ መትረብ ከም ዝቕበሎን ከም ዘኽብሮን ከርኢ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧