ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

“ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር”

“ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር”

የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ነቲ “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” ዚብል ትእዛዝ ኣጕሊሕዎ እዩ። (ዘጸ 20:12፣ ማቴ 15:4) የሱስ ብትብዓት ኪዛረብ ዝኸኣለ፡ መንእሰይ ከሎ ንወለዱ “ይግዝኦም” ስለ ዝነበረ እዩ። (ሉቃ 2:51፡ እ.ጽ.) በጽሒ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ሞቱ ንኣዲኡ ኽንክን ኪግበረላ ምድላዋት ገይሩ እዩ።—ዮሃ 19:26, 27

ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ክርስትያን መንእሰያት፡ ንወለዶም ምስ ዚእዘዙን ብኣኽብሮት ምስ ዜዘራርብዎምን፡ ከም ዜኽብርዎም እዮም ዜርእዩ። እቲ ንወለድና ኸነኽብር እተዋህበ ትእዛዝ ብግዜ ዚድረት ኣይኰነን። ወለድና ምስ ኣረጉ እውን ከይተረፈ፡ ካብ ጥበቦም ምእንቲ ኽንጥቀም ከነኽብሮም ኣሎና። (ምሳ 23:22) ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለድና ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ ስምዒታውን ገንዘባውን ሓገዝ ብምሃብ እውን ከነኽብሮም ንኽእል ኢና። (1ጢሞ 5:8) መንእሰያት ንኹን ዓበይቲ ብዘየገድስ፡ ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለድና ኸነኽብሮም ኪሕግዘና ዚኽእል ቀንዲ ነገር ምሳታቶም ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ልምዲ ምዕቃብ እዩ።

ነታ ንወለደይ ከዘራርቦም ዝኽእል ብኸመይ እየ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ምስ ወለድኻ ምዝርራብ ኪኸብደካ ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

  • ምስ ወለድኻ ኽትዘራረብ ከለኻ ኸተኽብሮም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

  • ምስ ወለድኻ ኽትዘራረብ ጻዕሪ ምግባርካ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ምሳ 15:22)

    ምስ ወለድኻ ምዝርራብ ኣብ ህይወትካ ኣሳልጦ ኽትረክብ ይሕግዘካ