ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ውጽኢታዊ ሕቶታት ተጠቐም

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ውጽኢታዊ ሕቶታት ተጠቐም

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ “ሓሳባት ልቢ ሰብ ከም ዓሚቝ ማያት” ስለ ዝዀነ፡ ከም ብመገለል፡ ብሕቶታት ኣቢልና ሓሳባት ልቢ ሰብ ከነውጽእ ንኽእል ኢና። (ምሳ 20:5) ሕቶታት ንሰማዕትና ኸነሳትፍ ይሕግዘና እዩ። ብዚግባእ ንእተመርጸ ሕቶታት ዚውሃብ መልስታት፡ ተመሊሱ ነቲ መምህር ጠቓሚ ሓበሬታ ኺህቦ ይኽእል እዩ። የሱስ ንሕቶታት ብውጽኢታዊ መገዲ ተጠቒሙሉ እዩ። እሞ ደኣ ብኸመይ ኢና ኽንመስሎ እንኽእል፧

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

  • ርእይቶኡ ኺገልጽ ዚዕድም ሕቶታት ሕተት። የሱስ ንኣረኣእያ ደቀ መዛሙርቱ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ተኸታታሊ ሕቶታት ሓቲቱ እዩ። (ማቴ 16:13-16be 238 ¶2-4) ንሓደ ሰብ፡ ርእይቶኡ ኺገልጽ ዚዕድም እንታይ ዓይነት ሕቶታት ኢኻ ኽትሓትቶ እትኽእል፧

  • ናብ ቅኑዕ መደምደምታ ዚመርሕ ሕቶታት ሕተት። የሱስ ንኣረኣእያ ጴጥሮስ ምእንቲ ኼዐሪ፡ ንጴጥሮስ ናብ ቅኑዕ መደምደምታ ኺበጽሕ ዚሕግዞ ሕቶታት ሓቲትዎን ምላሽ ኪኸውን ዚኽእል ሓሳባት ነጊርዎን እዩ። (ማቴ 17:24-26) ንሓደ ሰብ ናብ ቅኑዕ መደምደምታ ዚመርሖ እንታይ ሕቶታት ኢኻ ኽትሓትቶ እትኽእል፧

  • ንሰማዒኻ ነኣዶ። ሓደ ጸሓፊ፡ ‘ብምስትውዓል ምስ መለሰ፡’ የሱስ ንኢድዎ እዩ። (ማር 12:34) ሓደ ሰብ ንዝሓተትካዮ ሕቶ ምላሽ ምስ ሃበ ኽትንእዶ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ንቐዳማይ ክፋል እታ ግብሪ የሱስ ግበር—ምሃር ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ኣብዚ ኽፋል እዚ ዝቐረበ ሓበሬታ ቕኑዕ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ኣመሃህራ ግና ውጽኢታዊ ኣመሃህራ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ነቲ ሓበሬታ ምግላጽ ጥራይ እኹል ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

ንኻልኣይ ክፋል እታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • እቲ ሓውና ውጽኢታዊ ሕቶታት ዝሓተተ ብኸመይ እዩ፧

  • ካልእ ክንቀድሖ እንኽእል ሜላታት ኣመሃህራኡ እንታይ እዩ፧

ሜላ ኣመሃህራና ኣብ ካልኦት እንታይ ጽልዋ እዩ ኼሕድር ዚኽእል፧ (ሉቃ 24:32)