ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ማቴዎስ 18-19

ንርእስኻን ንኻልኦትን ከይትዕንቅፍ ተጠንቀቕ

ንርእስኻን ንኻልኦትን ከይትዕንቅፍ ተጠንቀቕ

የሱስ ብምሳሌታት ኣቢሉ ንርእስኻን ንኻልኦትን ምዕንቃፍ ክሳዕ ክንደይ ጐዳኢ ኸም ዝዀነ ምሂሩ እዩ።

18:6, 7

  • “መዐንቀፊ፡” ንሓደ ሰብ ብግጉይ መገዲ ኸም ዚመላለስ፡ ብስነ ምግባራዊ መዳይ ከም ዚዕንቀፍ ወይ ከም ዚወድቕ፡ ወይ ከኣ ከም ዚሓጥእ ኪገብሮ ዚኽእል ተግባር ወይ ኵነት የመልክት

  • ንሓደ ሰብ ዚዕንቅፍ ዘበለ፡ መጥሓን ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ባሕሪ ኺጥሕል ይሕሾ

መጥሓን

18:8, 9

  • የሱስ ንሰዓብቱ፡ ከም ኢድ ወይ ዓይኒ ዝኣመሰለ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገራት እኳ፡ ዚዕንቅፎም እንተ ደኣ ዀይኑ ኼወግድዎ ኸም ዘለዎም መኺሩ

  • ነዚ ኸም ኣገዳሲ ጌርና እንርእዮ ነገራት እዚ ሒዝና ናብቲ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ዜመልክት ገሃነም ካብ እንኣቱ፡ ነዚ ነገራት እዚ ሓዲግና ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ክንኣቱ ይሕሸና

ኣብ ህይወተይ ከም መዐንቀፊ ዀይኑኒ ዘሎ ነገር እንታይ እዩ፧ ንርእሰይ ወይ ንኻልኦት ከይዕንቅፍከ እንታይ ክገብር እኽእል፧