ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ማቴዎስ 12-13

ምሳሌ እቲ ስርናይን ክርዳድን

ምሳሌ እቲ ስርናይን ክርዳድን

የሱስ ብምሳሌ እቲ ስርናይን ክርዳድን ኣቢሉ፡ ነቲ ብ33 ድ.ክ. ዝጀመረ ጕጅለ እቶም ብስርናይ እተመሰሉ ቕቡኣት ክርስትያናት ካብ ማእከል ደቂ ሰብ ብኸመይን መዓስን ምሉእ ብምሉእ ከም ዚእክቦ ገሊጹ።

13:24

‘ሓደ ሰብ ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዘርአ’

  • ዘራኢ፦ የሱስ ክርስቶስ

  • ጽቡቕ ዘርኢ ተዘርአ፦ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐብኡ

  • ግራት፦ ናይ ደቂ ሰብ ዓለም

13:25

“ሰባት ደቂሶም ከለዉ፡ ጸላኢኡ መጺኡ ኣብ መንጎ እቲ ስርናይ ክርዳድ ዘርአ”

  • ጸላኢ፦ ድያብሎስ

  • ሰባት ደቂሶም፦ ሞት ሃዋርያት

13:30

“ክሳዕ ቀውዒ፡ ክልቲኡ ብሓደ ይዕበ ሕደግዎ”

  • ስርናይ፦ ቅቡኣት ክርስትያናት

  • ክርዳድ፦ ኣምሰሉ ክርስትያናት

‘ቅድም ነቲ ኽርዳድ እረይዎ፡ ድሕሪኡ ነቲ ስርናይ ኣክብዎ’

  • ባሮት/ዓጻዶ፦ መላእኽቲ

  • ክርዳድ ተኣከበ፦ ኣምሰሉ ክርስትያናት ካብ ቅቡኣት ክርስትያናት ተፈልዩ

  • እቲ ስርናይ ናብ ማዕከን ተኣከበ፦ ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብታ እተሓደሰት ጉባኤ ተኣከቡ

ቀውዒ ምስ ጀመረ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብ ኣምሰሉ ክርስትያናት ፍሉያት ከም ዝዀኑ ዝገበሮም እንታይ እዩ፧

ነዚ ምሳሌ እዚ ኽርዳእ ምኽኣለይ ብብሕቲ ዚጠቕመኒ ብኸመይ እዩ፧