ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ሮሜ 4-6

“ኣምላኽ ንፍቕሩ የርእየና ኣሎ”

“ኣምላኽ ንፍቕሩ የርእየና ኣሎ”

5:8, 18, 21

እቲ ውህበት የሆዋ ዝዀነ በጃ፡ ንስም የሆዋ ኻብ ነቐፋ ናጻ ይገብርን ንልዑላውነት የሆዋ የረጋግጽን እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ በጃ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብጽድቂ ኽንመላለስ የኽእለና፣ ንዅሎም እዙዛት ደቂ ሰብ ድማ ዜሐጕስ መጻኢ ኸም ዚህልዎም ይገብር እዩ።

ነቲ ውህበት በጃ ዘሎና ሞሳ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

  • ርእስና ወፊና ምጥማቕና ኣብቲ በጃ እምነት ከም ዘሎናን ናይ የሆዋ ኽንከውን ድሌት ከም ዘሎናን ይገልጽ

  • ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽና ነታ የሆዋ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ዘላቶ ፍቕሪ ኸም ዝቐዳሕናያ የርኢ።—ማቴ 22:39፣ ዮሃ 3:16

ንየሆዋ ስለቲ ውህበት በጃ ሞሳይ ከርኢ ዝኽእል በየናይ ካልእ መገድታት እየ፧