ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ብተጻዋርነት ተሃንጢና ንጽበ

ብተጻዋርነት ተሃንጢና ንጽበ

መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ክንደይ ኢኻ ተጸቢኻ፧ መከራ እናኣጋጠመካ ኽነሱ ብትዕግስቲ ትጽበዶ ኣለኻ፧ (ሮሜ 8:25) ገሊኦም ክርስትያናት፡ ጽልእን ግፍዕን ማእሰርትን ኣብ ሞት ዜብጽሕ ፈተና እውን ከይተረፈ ኣጋጢምዎም እዩ። ብዙሓት ካልኦት ድማ ሕዱር ሕማምን እርጋንን ይጻወሩ ኣለዉ።

ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ፈተና፡ ብተጻዋርነት ክንጽበ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ብዛዕባ ዘንበብናዮ ብምስትንታንን፡ ንእምነትና ኸነደልድላ ኣሎና። ኣብ ተስፋና ኸነተኵር እውን ኣሎና። (2ቈረ 4:16-18፣ እብ 12:2) ናብ የሆዋ ኽንማህለልን ሓይሊ መንፈስ ቅዱሱ ምእንቲ ኺህበና ብጸሎት ክንልምኖን ኣሎና። (ሉቃ 11:10, 13፣ እብ 5:7) እቲ ፈቃር ኣቦና ‘ብዓቕልን ብሓጐስን ኵሉ ምእንቲ ኽንጻወር’ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—ቈሎ 1:11

ነታ ‘ብተጻዋርነት ጕየ’ሽልማት ከም እትረክብ ተኣማመን ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ኣብ ህይወት እንታይ ‘ኣጋጣሚ’ ኼጓንፈና ይኽእል፧ (መክ 9:11)

  • ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ጸሎት ብኸመይ ይሕግዘና፧

  • ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸምቲ ቕድሚ ሕጂ ንገብሮ ዝነበርና ኽንገብር እንተ ዘይክኢልና፡ ኣብቲ ሕጂ ኽንገብሮ እንኽእል ከነተኵር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  • ናብቲ ሽልማት ጠምት

    ሽልማት ከም እትረክብ ክትተኣማመን እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧