ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ሮሜ 9-11

ምሳልያዊ ኦም ኣውልዕ

ምሳልያዊ ኦም ኣውልዕ

11:16-26

እተፈላለየ ኽፋል እቲ ምሳልያዊ ኦም ኣውልዕ ንምንታይ የመልክት፧

  • ኦም፦ ነቲ ምስ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ዚተሓሓዝ ንኣብርሃም እተኣትወሉ ኺዳን

  • ጉንዲ፦ ነቲ ቐንዲ ኽፍሊ ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀነ የሱስ

  • ጨናፍር፦ ንብምሉኦም እቶም ካልኣይ ክፋሊ ዘርኢ ኣብርሃም

  • ‘እተሰብረ’ ጨናፍር፦ ነቶም ንየሱስ ዝነጸግዎ ብስጋ ኣይሁድ ዝዀኑ

  • ኣብ ጨናፍር ‘እተዳቐሉ’፦ ካብ ኣህዛብ ንዝመጹ ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት

ከምቲ ብትንቢት እተገልጸ፡ ዘርኢ ኣብርሃም፡ ማለት የሱስ ክርስቶስን እቶም 144,000ን፡ “ንኣህዛብ” በረኸት ኬምጽኡሎም እዮም።—ሮሜ 11:12፣ ዘፍ 22:18

ካብቲ የሆዋ ምስ ዘርኢ ኣብርሃም ብእተተሓሓዘ ዕላማኡ ዝፈጸመሉ መገዲ እንታይ ክምሃር እኽእል፧