ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ዘይፈርዩ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ምቍራጽ

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ዘይፈርዩ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ምቍራጽ

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ሰባት ምእንቲ ኺድሕኑ ስም የሆዋ ኺጽውዑ ኣለዎም። (ሮሜ 10:13, 14) ይኹን እምበር፡ ኵሉ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ እተሰማምዐ ሰብ፡ ብስርዓታት የሆዋ ኺምራሕ ይደሊ እዩ ማለት ኣይኰነን። ነቲ ኣብ ኣገልግሎት እነሕልፎ ግዜ፡ ነቶም ብሓቂ ለውጢ ብምግባር ንየሆዋ ኼሐጕሱ ዚደልዩ ሰባት ንምሕጋዝ ብግቡእ ክንጥቀመሉ ንደሊ ኢና። ሓደ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እተወሰነ ግዜ ርኡይ ዕቤት እንተ ዘይገይሩ፡ ኣትኵሮና ናብቶም የሆዋ ናብኡን ናብ ውድቡን ዚስሓቦም ሰባት ክንገብር ኣሎና። (ዮሃ 6:44) ሓቂ እዩ፡ እቲ ሰብ ኣብ መጻኢ ‘ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘንቀደ’ ዘርኢ ለውጢ እንተ ርኢናሉ፡ ነቲ መጽናዕቲ ተሓጒስና ኽንቅጽለሉ ንኽእል ኢና።—ግብ 13:48

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

  • ነቲ ተምሃራይ፡ ልክዕ ፍልጠት ኬናዲ ብምድላዩ ንኣዶ።—1ጢሞ 2:4

  • ነቲ እተማህሮ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕልሓሉ።—ሉቃ 6:46-49

  • ነቲ የሱስ ዝገለጾ ምሳሌ እቲ ዘራኢ ምስኡ ዄንካ ብለውሃት ተመያየጡሉ፡ ዕቤት ከይገብር ዕንቅፋት ዝዀኖ ነገር እንታይ ከም ዝዀነ ኺሓስበሉ ድማ ሕተቶ።—ማቴ 13:18-23

  • ነቲ መጽናዕቲ ስለምንታይ ከም እተቋርጾ ብሜላ ግለጸሉ

  • ሓድሓደ እዋን ንኸተተባብዖ ኢልካ ኸም እትበጽሖ ንገሮ፡ ኣብ መጻኢ ዕቤት እንተ ገይሩ ድማ፡ መጽናዕቱ ኪቕጽል ከም ዚኽእል ሓብሮ

ነታ ቪድዮ ርኣያ እሞ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ካብቲ እቲ ተምሃራይ መንፈሳዊ ዕቤት ከም ዘይገበረ ዚሕብር ዝርርብ እንታይ ተማሂርካ፧

  • እቲ ኣስፋሒ ነቲ ተምሃራይ ለውጢ ኸም ዜድልዮ ኺግንዘብ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧

  • እቲ ኣስፋሒ ነቲ ተምሃራይ ካልእ እዋን ንመጽናዕቱ ኪቕጽሎ ኣጋጣሚ ኸም ዘለዎ ዝሓበሮ ብኸመይ እዩ፧