ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ነቲ ዘይርአ ባህርያት ኣምላኽ ተስተውዕሎ ዲኻ፧

ነቲ ዘይርአ ባህርያት ኣምላኽ ተስተውዕሎ ዲኻ፧

ጽቡቕ ዝሕብሩ ዕንባባ፡ ብኸዋኽብቲ ዝመልአ ሰማይ፡ ወይ ዚምስጥ መንጫዕጫዕታ ምስ እትርኢ፡ ነቲ ስርሓት ኢድ ፈጣሪ ተስተውዕሎዶ፧ ኣብ ከባቢና ዘሎ ፍጥረት ነቲ ዘይርአ ባህርያት ኣምላኽ ብንጹር ይገልጽ እዩ። (ሮሜ 1:20) ሓንሳእ ደው ኢልና ነቲ ብኣዒንትና እንርእዮ ነገራት ምስ እነስተንትነሉ፡ ንሓይልን ንፍቕርን ንጥበብን ንፍትሕን ከምኡ እውን ንልግሲ ኣምላኽ ከነስተውዕሎ ንኽእል ኢና።—መዝ 104:24

ገለ ኻብቲ ኣብ መመዓልቲ እትርእዮ ፍጥረታት የሆዋ እንታይ እዩ፧ ኣብ ከተማ እትነብር እውን እንተ ዄንካ፡ ኣዕዋፍ ወይ ኣእዋም ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ንፍጥረት የሆዋ ተገዲስና ምስ እንምልከቶ፡ ጭንቀትና ኺንክን ኣብ ጸገማትና ኸይነተኵርን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ የሆዋ ንዘለኣለም ኪሓልየልና ኸም ዚኽእል ዘሎና እምነት የደልድሎ። (ማቴ 6:25-32) ውሉዳት እንተ ኣልዮምኻ፡ ነቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ባህርያት የሆዋ ኼስተውዕሉ ሓግዞም። ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ፍጥረት ዘሎና ኣድንቖት ምስ ዚዓቢ፡ ናብ ፈጣሪ ብዝያዳ ኽንቀረብ ንኽእል ኢና።—መዝ 8:3, 4

ነታ ድንቂ ፍጥረታት፡ ክብሪ ኣምላኽ ይገልጽብርሃንን ሕብርን ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ እሞ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ሕብሪ ኽንርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

  • ተለዋዋጢ ድሙቕ ሕብሪ ዚፍጠር ብኸመይ እዩ፧

  • ኣብ ሰማይ እተፈላለየ ሕብሪ ኽንርኢ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

  • ኣብ ጥቓ ገዛኻ እንታይ ኣብ ፍጥረት ዘሎ ጽቡቕ ሕብሪ ርኢኻ፧

  • ንተፈጥሮ ግዜ ወሲድና ኽንዕዘብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ብርሃንን ሕብርን ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ እንታይ ይገልጽ፧