ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

16-22 ሓምለ

ሉቃስ 10-11

16-22 ሓምለ
  • መዝሙር 100ን ጸሎትን

  • መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

  • ምሳልያዊ ዛንታ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ”፦ (10 ደቒቕ)

    • ሉቃ 10:29-32—ፈለማ ሓደ ኻህን፡ ድሕሪኡ ኸኣ ሓደ ሌዋዊ ኣብ ኢድ ከተርቲ ንዝወደቐ ኣይሁዳዊ ብጻዮም ኣይሓገዝዎን [nwtsty፡ ኣብ ሉቃስ 10:30 ዚርከብ ሚድያ ወልዕ።] (w02 1/9 16-17 ¶14-15)

    • ሉቃ 10:33-35—ሓደ ሳምራዊ ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐ ሰብኣይ ሓለፍ ዝበለት ፍቕሪ ኣርኣዮ (nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ሉቃ 10:33, 34)

    • ሉቃ 10:36, 37—ፍቕሪ ኸነርኢ ዘሎና ነቶም ከም ናትና ማሕበራዊ ደረጃ፡ ዓሌት ወይ ሃገር ዘለዎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሉ ዓይነት ሰብ ኪኸውን ኣለዎ (w98 1/7 31 ¶2)

  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)

    • ሉቃ 10:18—የሱስ ነቶም 70 ደቀ መዛሙርቱ፡ “ሰይጣን ድሮ ኸም በርቂ ኻብ ሰማይ ወዲቑ ርእየዮ” ኺብሎም ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ (nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ፣ w08 15/3 31 ¶12)

    • ሉቃ 11:5-9—ምሳሌ እቲ ኸይተሓለለ ዝለመነ ሰብኣይ ብዛዕባ ጸሎት እንታይ ይምህረና፧ (nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ)

    • ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ምሂሩካ፧

    • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንታይ ካልእ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) ሉቃ 10:1-16

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

  • ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (2 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። እቲ ብዓል ቤት ኣብ ክልኹም ልሙድ ዝዀነ ተቓውሞ የልዕል።

  • ቀዳማይ ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (3 ደቒቕ ወይ ትሕቲኡ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። እቲ ብዓል ቤት ‘ኣብ መኣዲ እየ ዘለኹ’ ይብለካ።

  • ቪድዮ ኻልኣይ ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (5 ደቒቕ) ነታ ቪድዮ ወልዓያን ተመያየጡላን።

ክርስትያናዊ ህይወት