ምሳልያዊ ዛንታ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ
የሱስ ነዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ እተዛረበ፡ ነታ ‘ብጻየይከ መን ኰን እዩ፧’ እትብል ሕቶ ንምምላስ እዩ። (ሉቃ 10:25-29) ክርስትያናዊት ጉባኤ “ንዅሉ ዓይነት ሰብ፡” እንተላይ ንሳምራውያንን ንኣህዛብን ከም እተጠቓልል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዮሃ 12:32) እዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ፡ ሰዓብቲ የሱስ ንኻልኦት ሰባት፡ እንተላይ ነቶም ካባታቶም እተፈልዩ እውን ከይተረፈ ፍቕሪ ኼርእዩ ፍሉይ ጻዕሪ ኺገብሩ ኸም ዘለዎም እዩ ምሂርዎም።
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦
-
‘ካብ ናተይ እተፈልየ ባህልታት ብዛዕባ ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን እንታይ እዩ ዚስምዓኒ፧’
-
‘ብቐንዱ ምስቶም ብብዙሕ ነገራት ምሳይ ዚመሳሰሉ ሰባት ጥራይ ድየ ግዜ ዜሕልፍ፧’
-
‘ምስቶም እተፈልየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ክርስትያናት ብጾተይ ዝያዳ ምእንቲ ኽፋለጥ ልበይ ጋህ አብል ድየ፧’ (2ቈረ 6:13)
ክዕድሞ ዝደሊ ሰብ፦
-
ኣብ ኣገልግሎት ምሳይ ኪዓዪ
-
እኽለ ማይ ንምጥዓም ናብ ገዛይ ኪመጽእ
-
ኣብታ ኣብ ዚቕጽል ኣምልኾ ስድራ ቤት እንገብረላ ምሸት ምስ ስድራ ቤተይ ኪሓብር