ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ሉቃስ 10-11

ምሳልያዊ ዛንታ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ

ምሳልያዊ ዛንታ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ

10:25-37

የሱስ ነዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ እተዛረበ፡ ነታ ‘ብጻየይከ መን ኰን እዩ፧’ እትብል ሕቶ ንምምላስ እዩ። (ሉቃ 10:25-29) ክርስትያናዊት ጉባኤ “ንዅሉ ዓይነት ሰብ፡” እንተላይ ንሳምራውያንን ንኣህዛብን ከም እተጠቓልል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዮሃ 12:32) እዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ፡ ሰዓብቲ የሱስ ንኻልኦት ሰባት፡ እንተላይ ነቶም ካባታቶም እተፈልዩ እውን ከይተረፈ ፍቕሪ ኼርእዩ ፍሉይ ጻዕሪ ኺገብሩ ኸም ዘለዎም እዩ ምሂርዎም።

ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦

  • ‘ካብ ናተይ እተፈልየ ባህልታት ብዛዕባ ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን እንታይ እዩ ዚስምዓኒ፧’

  • ‘ብቐንዱ ምስቶም ብብዙሕ ነገራት ምሳይ ዚመሳሰሉ ሰባት ጥራይ ድየ ግዜ ዜሕልፍ፧’

  • ‘ምስቶም እተፈልየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ክርስትያናት ብጾተይ ዝያዳ ምእንቲ ኽፋለጥ ልበይ ጋህ አብል ድየ፧’ (2ቈረ 6:13)

ክዕድሞ ዝደሊ ሰብ፦

  •  ኣብ ኣገልግሎት ምሳይ ኪዓዪ

  •  እኽለ ማይ ንምጥዓም ናብ ገዛይ ኪመጽእ

  •  ኣብታ ኣብ ዚቕጽል ኣምልኾ ስድራ ቤት እንገብረላ ምሸት ምስ ስድራ ቤተይ ኪሓብር