ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ | ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ

ልቢ ብምትንካይ

ልቢ ብምትንካይ

ንኣምላኽ ዘሎና ተኣዛዝነት ካብ ልብና ዘንቀደ ኪኸውን ኣለዎ። (ምሳ 3:1) ስለዚ፡ ክንምህር ከለና ልቢ ሰማዕትና ንምትንካይ፡ ክንጽዕር ኣሎና። ብኸመይ፧

ንተምሃራይካ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ እትምሃሮ ምስ ህይወቱን ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብን ኬተሓሕዞ ሓግዞ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንፍቕርን ሕያውነትን ጽድቅን የሆዋ ብኸመይ ከም ዜንጸባርቕ ኪርዳእ ሓግዞ። ሕቶታት ብሜላ ብምጥቃም፡ ተምሃራይካ ብዛዕባ እቲ ዚምሃሮ ርእሱ ኺምርምር ሓግዞ። ግጉይ ኣረኣእያ ወይ ተግባራት ምዕራይ ዘለዎ ጥቕምታት ኪሓስብ ሓግዞ። ተምሃራይካ ንየሆዋ ኻብ ልቢ ኸም ዜፍቅሮ ምስ ረኣኻ፡ ሓጐስካ ኺውስኽ እዩ።

ነታ ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ክእለትካ ኣመሓይሽ—ልቢ ብምትንካይ ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ኒታ ‘ነቲ ሰኑይ እተዘራረብናሉ ሓሲብክሉዶ፧’ ኢላ ንጀድ ዝሓተተታ ስለምንታይ እያ፧

  • ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ የሆዋ ንዓኣ ዘለዎ ፍቕሪ ኸተተሓሕዞ፡ ኒታ ንጀድ ዝሓገዘታ ብኸመይ እያ፧

  • ልቢ ተምሃራይና እንተ ተንኪና፡ ዕቤት ኪገብር ኪድረኽ እዩ

    ጀድ ንኣምላኽ ዘለዋ ፍቕሪ ኸተርኢ፡ ኒታ ዝሓገዘታ ብኸመይ እያ፧