ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
የሆዋ ንእንስሳታት ከም ዚሓሊ እቲ ሕጊ ብኸመይ የርኢ፧
ኣብ ጸገም ንዘሎ እንስሳ ዕሽሽ ኣይትበሎ (ዘዳ 22:4፣ it-1 375-376)
ጨቓዊት ንዘለዋ ዑፍ ኣይትጨክነላ (ዘዳ 22:6, 7፣ it-1 621 ¶1)
እተፈላለዩ እንስሳታት ብሓደ ኺጽመዱ የብሎምን (ዘዳ 22:10፣ w03 15/10 32 ¶1-2)
ንእንስሳታት እንሕዘሉ መገዲ፡ ንየሆዋ የገድሶ እዩ። ንእንስሳታት ብጭካነ ኽንሕዞም ወይ ንምዝንጋዕ ኢልና ኽንቀትሎም የብልናን።—ምሳ 12:10።