ክርስትያናዊ ህይወት
ተባዕ ምዃን ከቢድ ኣይኰነን
ትብዓት ኪብሃል ከሎ፡ ብርታዐ፡ ሓቦ፡ ጀግንነት ማለት ኰይኑ፣ ተባዕ ሰብ ግና ፈጺሙ ኣይፈርህን እዩ ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንፍርሁ ኣሰኒፉ ስጕምቲ ይወስድ። የሆዋ ምንጪ ናይ ሓቂ ትብዓት እዩ። (መዝ 28:7) መንእሰያት ብኸመይ ትብዓት ኬርእዩ ይኽእሉ፧
ነታ ንፈርሃት ዘይኰነስ፡ ንተባዓት ምሰሎም ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
እቶም መንእሰያት እንታይ ትብዓት ዚሓትት ኵነታት እዩ ኣጋጢምዎም፧
-
ኣየናይ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ኽንተብዕ ዚሕግዘና፧
-
ተባዓት ምዃንና ንዓናን ነቶም ዚዕዘቡናን ዚጠቅም ብኸመይ እዩ፧