ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
የሆዋ ብኸመይ እዩ ኺምለኽ ዚደሊ፧
እስራኤላውያን ንየሆዋ ብዅሉ ልቦምን ብዅሉ ነፍሶምን ኪእዘዝዎ፡ ኬፍቅርዎ፡ ኬገልግልዎ ነበሮም (ዘዳ 11:13፣ it-2 1007 ¶4)
ምስ ናይ ሓሶት ኣምልኾ እተሓሓዘ ዝዀነ ይኹን ነገራት ምሉእ ብምሉእ ኪውገድ ነበሮ (ዘዳ 12:2, 3)
ኵላቶም ኣብ ሓደ ቦታ ኼምልኹ ነበሮም (ዘዳ 12:11-14፣ it-1 84 ¶3)
የሆዋ ንህዝቡ ብምሉእ ነፍሶም ኬምልኽዎን ንዅሉ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኺነጽጉን ሓድነት ኪህልዎምን እዩ ዚደልዮም።