ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
የሆዋ ንኣንስቲ ኸም ዚሓልየለን እቲ ሕጊ ብኸመይ የርኢ፧
ሓንቲ መርዓት ሰብኣያ ንሓደ ዓመት ኣብ ሰራዊት ስለ ዘየገልግል፡ ካብኣ ኣይፍለን እዩ (ዘዳ 24:5፣ it-2 1196 ¶4)
መበለታት ብስጋዊ ዜድልየን ምእንቲ ኺረኽባ ምድላዋት ይግበረለን ነበረ (ዘዳ 24:19-21፣ it-1 963 ¶2)
ውላድ ዘይብላ መበለት፡ እትወልደሉ መሰናድዎ ነይሩ እዩ (ዘዳ 25:5, 6፣ w11 1/3 23)
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ኣብ ስድራ ቤተይን ኣብ ጉባኤይን ንደቂ ኣንስትዮ፡ ሓልዮትን ኣኽብሮትን ከርእየን ዝኽእል ብኸመይ እየ፧’