ክርስትያናዊ ህይወት | ንሓድሽ ኣገልግሎት ዓመት ሸቶ ኣውጽእ
ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ኣመልክት
ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ኣቲኻ ንምምሃር ዘውጻእካዮ ሸቶ ንምውቃዕ፡ ፍሉይ ኵነታት ኪህልወካ ኣይትጸበ። እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ብቕዓት መንፈሳውነትን ካብ ውድብ የሆዋ ንዚውሃበካ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ብፍታው ምቕባልን እዩ።—ኢሳ 6:8።
ነታ ብእምነት ናብ ኣፍ ደገ ዕዮ እቶ—ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ኣመልክት ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ገብርኤል ኣብ መጀመርታ ንቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ኬመልክት ድሕር ምሕር ኢሉ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ንፊልጲ 4:13 ብምስትንታኑኸ ብኸመይ ተጠቒሙ፧