ክርስትያናዊ ህይወት | ንሓድሽ ኣገልግሎት ዓመት ሸቶ ኣውጽእ
ኣብ ቲኦክራስያዊ ፕሮጀክት ህንጸት ሓግዝ
ቲኦክራስያዊ ህንጻታት ምህናጽ፡ ክፍሊ ቕዱስ ኣገልግሎት እዩ። (ዘጸ 36:1) ንመመልከቲ ወለንተኛታት ከባብያዊ ንድፊ/ህንጸት (DC-50) እትብሃል ፎርም ብምምላእ፡ ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዚርከብ ፕሮጀክት ህንጸት በብግዜኡ ኽትሕግዝ ትኽእልዶ፧ ወይ ድማ መመልከቲ መደብ ወለንታ (A-19) እትብሃል ፎርም ብምምላእ፡ ንእተወሰነ ሰሙን ወይ ንኣዋርሕ ኣብ ርሑቕ ኣብ ዚርከብ ፕሮጀክት ህንጸት ክትካፈል ርእስኻ ኸተቕርብ ትኽእልዶ፧ ኣብ ዕዮ ህንጸት ብወለንታ ንምዕያይ ናይ ግድን ሞያ ህንጸት ኪህልወካ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን።—ነህ 2:1, 4, 5።
ነታ ብእምነት ናብ ኣፍ ደገ ዕዮ እቶ—ኣብ ቲኦክራስያዊ ፕሮጀክት ህንጸት ሓግዝ ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ንሳራ ኣጨኒቕዋ ዝነበረ እንታይ እዩ፧ ነዚ ኽትዋጽኣሉ ዝሓገዛኸ እንታይ እዩ፧