ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ

ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ

ኣሕዋትና ነዚ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት ንምድላው ብትግሃት ይዓይዩ እዮም፣ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ድማ ነዚ ኣብ ክሎም ውጽኢታዊ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ዘሎ ዅነታት ስለ ዚፈላለ፡ ኣስፋሕቲ ኣብ ክሎም ምስ ዘለዉ ሰባት ብዚሰማማዕ መገዲ ኣብ ኣገልግሎቶም ካብዚ እተፈልየ ኣቀራርባን እተፈልየ ርእሰ ነገርን ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። ልክዕ እዩ፡ ኵላትና ነቲ ንፍሉይ ወፈራ እተዋህበ ዝዀነ ይኹን መምርሒ ኽንስዕቦ ኣሎና። ሸቶና ነቲ የሱስ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ዝሃበና መዝነት ምፍጻም እዩ።—ማቴ 24:14

ኣስፋሕቲ ናይ ተምሃራይ ክፍሊ ኣብ ዜቕርቡሉ እዋን ነቲ ኣብ ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ዘሎ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት ኪመያየጥሉ ኣለዎም። ይኹን እምበር፡ እተፈልየ መምርሒ እንተ ዘይተዋሂቡ፡ ኣብ ክሎም ውጽኢታዊ ኪኸውን ዚኽእል ሕቶ፡ ጥቕሲ፡ ንዚቕጽል ዚኸውን ካልእ ሓሳባት፡ ወይ ኣቀራርባ ኺመርጹ ይኽእሉ እዮም። እዚ ነቲ ኣብ ደብተር ኣኼባ ሰነ 2020 ገጽ 8 ዝወጸ መምርሒ ዚትክእ እዩ።