ክርስትያናዊ ህይወት | ንሓድሽ ኣገልግሎት ዓመት ሸቶ ኣውጽእ
ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ግዓዝ
ኣገልግሎትካ ንምስፋሕ ካብቲ ዝለመድካዮ ናብ ሓድሽ ቦታ ንምግዓዝ እምነት የድሊ እዩ። (እብ 11:8-10) ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ኽትግዕዝ ሸቶ እንተ ኣልዩካ፡ ንሽማግለታትካ ኣዘራርቦም። ወጻኢታትካ ምእንቲ ኽትጽብጽብን ቦታ ምእንቲ ኽትመርጽን እንታይ ግብራዊ ስጕምቲ ኽትወስድ ትኽእል፧ ብዛዕባ ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ግዒዝካ ምግልጋል ዚገልጽ ሕታማት መርምር። ነቶም ንኻልኦት ጉባኤታት ንምሕጋዝ ዝገዓዙ ዕዉታት ዝዀኑ ኣስፋሕቲ ኣዘራርቦም። (ምሳ 15:22) መምርሒ ኽትረክብ ናብ የሆዋ ጸሊ። (ያእ 1:5) ብዛዕባ እቲ ኽትከዶ ዝሓሰብካ ቦታ ምርምር ግበር፡ እንተ ተኻኢሉ ድማ ቅድሚ ምውሳንካ ንሒደት መዓልትታት ኬድካ ርኣዮ።
ነታ ብእምነት ናብ ኣፍ ደገ ዕዮ እቶ—ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልዩሉ ግዓዝ ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ገብርኤል እንታይ ዕንቅፋታት እዩ ኣጋጢምዎ ነይሩ፧ ነዚ ኺሰግሮ ዝሓገዞኸ እንታይ እዩ፧