ክርስትያናዊ ህይወት
ኣብ መስከረም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ዚግበር ፍሉይ ወፈራ
ኣብ መስከረም ነታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ ብሮሹር ተጠቒምና፡ ንነፍሲ ወከፍ ብዓል ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጀምር ብትግሃት ክንዓዪ ኢና። ኣብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዚዀኑ ኣስፋሕቲ፡ 30 ሰዓት ኬገልግሉ ኺመርጹ ይኽእሉ እዮም። ኣብዚ ፍሉይ ወፈራ እዚ ኽንሳተፍ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
-
ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ ነቲ ኣብ ድሕሪት ገበር እታ ብሮሹር ዘሎ ሓሳብ ተጠቒምካ፡ ተገዳስነት እቲ ብዓል ቤት ኣለዓዕል፣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚምራሕ እውን ኣርእዮ። ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ተገዳስነት ዘርኣዩ፡ እንተላይ ነቶም ተመላሊስካ ምብጻሕ እትገብረሎም ሰባት ዘክሮም። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኬጽንዑ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን ይዀኑ፡ በዚ ሓድሽ ሜላ መጽናዕትን በታ ሓዳስ ብሮሹርን ግና መጽናዕቲ ኺጅምሩ ተገዳስነት የሕድሩ ይዀኑ። ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ተገዳስነት ዘየርኣዩ ሰባት፡ ኣብ ገዛኦም እንተ ዘየልዮም ነዛ ብሮሹር ክንሓድገሎም ወይ ብደብዳበ ክንሰደሎም የብልናን። እቲ ኮሚተ ኣገልግሎት ጉባኤ ኣብታ ወርሒ እቲኣ፡ ተወሳኺ ኣኼባታት ኣገልግሎት ወፍሪ ኼዳሉ ይኽእል እዩ።
-
ካልእ ኣጋጣሚታት፦ ጉባኤኹም ዓረብያ ጽሑፋት ትጥቀም እንተ ዀይና፡ ንብሮሹር ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ኣፋልጥ። ተገዳስነት ንዘርኣየ ሰብ፡ በዛ ብሮሹር ጌርና ብናጻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ከም እንመርሕ እውን ሓብሮ። ሽዑ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚግበር ኣሕጽር ኣቢልካ ኣርእዮ፡ ወይ ከኣ ካልእ መዓልቲ ኸተርእዮ ምድላዋት ግበር። ሓላው ኣገልግሎት፡ ብቝዓት ኣስፋሕቲ ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ከይዶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጀምሩ ምድላዋት ኪገብር ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ንመሳርሕትኻ ወይ ብዘይ ወግዓዊ መገዲ ኽትምስክር ከለኻ ንዝረኸብካዮም ሰባት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምሮም ትኽእል ኢኻ።
የሱስ፡ “ደቀ መዛሙርቲ” ኽንገብርን ‘ክንምህርን’ ኣዚዙና እዩ። (ማቴ 28:19, 20) ሃየ እምበኣር፡ ነዛ ንብሮሹር ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ተጠቒምና ኣብዚ ፍሉይ ወፈራ እጃምና ነበርክት።