ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
ካብቲ ኽልተ ኣዕኑድ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧
ክልተ ገዘፍቲ ኣዕኑድ ኣብ ገበላ እቲ ቤተ መቕደስ ቈይሙ ነይሩ (1ነገ 7:15, 16፣ w13 1/12 13 ¶3)
እቲ ኣዕኑድ ትርጉም ዘለዎ ስማት ነይርዎ (1ነገ 7:21፣ it-1 348)
የሆዋ ነታ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ‘ኼጽንዓሎም’፡ እቶም ህዝቢ ኣብኡ ኺውከሉ ነይርዎም (1ነገ 7:21፡ እ.ጽ.፣ መዝ 127:1)
ብዙሕ ዕንቅፋታት ሰጊርና ናብ ሓቂ ምእንቲ ኽንመጽእ የሆዋ ሓጊዙና ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ‘እምነት ምእንቲ ኽንጸንዕ’ ወትሩ ኣብኡ ኽንውከል ኣሎና።—1ቈረ 16:13።
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ኣብ የሆዋ ኸም ዝውከል ብኸመይ አርኢ ኣለኹ፧’