ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
ዋጋ ጥበብ
ሰሎሞን ጥበብ ኪህቦ ንየሆዋ ሓቲትዎ (1ነገ 3:7-9፣ w11 15/12 8 ¶4-6)
ልመና ሰሎሞን ንየሆዋ ኣሐጒስዎ (1ነገ 3:10-13)
ሰሎሞን ንኣምላኻዊ ጥበብ ኣኽቢሩ ይርእዮ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ህዝቢ ብደሓን ይነብር ነይሩ (1ነገ 4:25)
ጥበበኛ ሰብ ንፍልጠትን ምስትውዓልን ብሓንሳእ ኣጣሚሩ ግብራዊ ብዝዀነ መገዲ ይጥቀመሉ እዩ። ጥበብ ካብ ወርቂ ይበልጽ እዩ። (ምሳ 16:16) ንኣምላኽ ብምልማንን ንዕኡ ብምፍራህን ትሑታት ብምዃንን ንቓሉ ኣዕሚቝና ብምዅዓትን ጥበብ ከነጥሪ ንኽእል ኢና።