ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ንሓጐስ ስድራ ቤትካ ኣበርክቶ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ

ንሓጐስ ስድራ ቤትካ ኣበርክቶ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ

የሆዋ፡ ስድራ ቤታት ሕጉሳት ኪዀና ይደልየን እዩ። (መዝ. 127:3-5፣ መክ 9:9፣ 11:9) ይኹን እምበር፡ ሓጐስና ብሰንኺ ጭንቀት እዛ ዓለም እዚኣን ብጌጋታት ኣባላት ስድራ ቤትን ኪዝረግ ይኽእል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ንሓጐስ እንታይ እጃም ኬበርክት ይኽእል፧

ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኬኽብራ ኣለዎ። (1ጴጥ 3:7) ምስኣ ግዜ የሕልፍ። ኣብ ክውንነት እተመስረተ ትጽቢት ይህልዎ። ነቲ ንዕኡን ንስድራ ቤቱን እትገብረሎም ነገራት ድማ የማስወሉ እዩ። (ቈሎ 3:15) ፍቕሩ ይገልጸላ ይውድሳ ድማ።—ምሳ 31:28, 31

ሓንቲ ሰበይቲ ንሰብኣያ እትድግፈሉ መገድታት ተናዲ። (ምሳ 31:12) ትግዝኦን ትተሓባበሮን እያ። (ቈሎ 3:18) ንዕኡን ብዛዕባኡን ብለውሃት ትዛረብ።—ምሳ 31:26.

ወለዲ ምስ ደቆም ግዜ የሕልፉ። (ዘዳ 6:6, 7) ከም ዜፍቅርዎም ይነግርዎም። (ማቴ 3:17) ኪግስጽዎም ከለዉ ኸኣ ብፍቕርን ብምስትውዓልን ኪገብርዎ ኣለዎም።—ኤፌ 6:4

ውሉዳት ንወለዶም የኽብርዎምን ይእዘዝዎምን እዮም። (ምሳ 23:22) ንወለዶም ብዛዕባ ሓሳቦምን ስምዒቶምን ይነግርዎም እዮም። ካብ ወለዶም ተግሳጽ ይቕበሉን ኣኽብሮት የርእዩን እዮም።—ምሳ 19:20

ነታ ኣብ ስድራ ቤትካ ሓጐስ ኣማዕብል ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዛ እትስዕብ ሕቶ መልሳ፦

• ነፍሰ ወከፍ ሰብ ኣብ ስድራ ቤቱ ሓጐስ ምእንቲ ኼበርክት እንታይ ኪገብር ይኽእል፧