ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ንሓድሽ ዓመት ኣገልግሎት እንታይ ሸቶ ኣሎካ፧

ንሓድሽ ዓመት ኣገልግሎት እንታይ ሸቶ ኣሎካ፧

መንፈሳዊ ሸቶ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንምግልጋልን ንምሕጓስን እንገብሮ ጻዕሪ የጠቓልል። መንፈሳዊ ሸቶታት፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ክንበስልን ግዜናን ጉልበትናን ብግቡእ መስዋእቲ ኸነቅርብን ይሕግዘና። (1ጢሞ 4:15) ሸቶታትና ኣዘውቲርና ኽንምርምር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ ዅነታት ስለ ዚቀያየር እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዘውጽእናዮ ሸቶ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ ድማ፡ ሸቶና ስለ ዝወቓዕና ኻልእ ሸቶ ኸነውጽእ የድልየና ይኸውን።

ሸቶና እንምርምረሉ ጽቡቕ ግዜ፡ ሓድሽ ዓመት ኣገልግሎት ቅድሚ ምጅማሩ እዩ። ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትኩም ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ክትመያየጥሉን ብብሕትን ብስድራ ቤትን ሸቶ ኸተውጹኡን ትኽእሉዶ፧

ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት እንታይ ንጹር ሸቶ ኣሎካ፧ ነዚ ሸቶ ንምውቃዕኸ እንታይ ስጕምቲ ወሲድካ፧

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብሕታዊ መጽናዕቲ፡ ኣብ ኣኼባ ምእካብ፡ ሓሳብ ምሃብ።—w02 15/6 14 ¶14-15

ኣገልግሎት ወፍሪ።—w23.05 27 ¶4-5

ክርስትያናዊ ባህርያት።—w22.04 23 ¶5-6

ካልእ፦