ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ መስከረም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ ዚግበር ፍሉይ ወፈራ

ኣብ መስከረም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ ዚግበር ፍሉይ ወፈራ

ኣብ ወርሒ መስከረም፡ ብዛዕባ እታ ንጸገማት ደቂ ሰብ ፍታሕ እተምጽእ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ክንእውጅ ፍሉይ ጻዕሪ ኽንገብር ኢና። (ማቴ 24:14) ኣብዚ ኽትሳተፍ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ብእተኻእለ መጠን ኣብ ክልኻ ንዚርከቡ ሓያሎ ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እትገልጽ ጥቕሲ ኣንብበሎም። ተገዳስነት ንዘርኣየ ሰብ፡ ሓንቲ ቕዳሕ ሕታም ህዝቢ ግምቢ ዘብዐኛ፡ ቍ. 2 2020 ሃቦ። ተገዳስነት ንዘርኣየ ሰብ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ተኸታተሎ፣ ብብሮሹር ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ጌርካ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምሮ ጽዓር። ኵሎም እቶም ኣብዛ ወርሒ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዚዀኑ ን15 ወይ ን30 ሰዓት ኬገልግሉ ኺመርጹ ይኽእሉ እዮም።

ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅለን እተን ዚቃወማኣ መንግስትታት ክትሕምሽሸን እያ። (ዳን 2:44፣ 1ቈረ 15:24, 25) እምበኣር፡ ነዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ ተጠቒምና ንየሆዋን ንመንግስቱን ደገፍና ነርኢ።