ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ብተኣማንነት ንእትርአ ፍቕሪ የሆዋ ቕድሓያ

ብተኣማንነት ንእትርአ ፍቕሪ የሆዋ ቕድሓያ

የሆዋ ዓብዪ ኣብነት ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ እዩ። (መዝ 103:11) እዛ ፍቕሪ እዚኣ ግዝያዊትን ላዕለ ላዕሉ እትርአን ኣይኰነትን። ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ዓሙቝን ነባሪ ርክብን የጠቓልል እዩ። የሆዋ ነዛ ባህርይ እዚኣ ምስ ህዝቢ እስራኤል ብብዙሕ መገዲ ኣርእዩዋ እዩ። ንዓታቶም ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኣውጺኡ ናብ ምድሪ ተስፋ ኣእትይዎም እዩ። (መዝ 105:42-44) ምእንታኦም ተዋጊኡ፡ ኪሓጥኡ ኸለዉ ኸኣ ብተደጋጋሚ ይቕረ ኢሉሎም እዩ። (መዝ 107:19, 20) ‘ብተኣማንነት ንዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ተጠንቂቕና ምስ እንሓስበሉ’ ኽንቀድሖ ንድረኽ ኢና።—መዝ 107:43

ነታ ‘ብተኣማንነት ንዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ተጠንቂቕካ ሕሰቦ’ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ብተኣማንነት ንዚርአ ፍቕሪ በየናይ መገድታት ከነርኢ ንኽእል፧

  • ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ መስዋእቲ ምኽፋል ዚሓትት ስለምንታይ ኢና፧