ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ መንጎ ኮኪናኪስን ግሪኽን ዝነበረ ኽርክር፦ Droit reserve

ካብ ላዕሊ ጸጋም ከመ ሰዓት፦ ኣብ መንጎ ወስት ቪርጂንያ ስቴት ቦርድ ኦቭ ኢዱኬሽንን ባርነትን ዝነበረ ኽርክር፣ ኣብ መንጎ ኮኪናኪስን ግሪኽን ዝነበረ ኽርክር፣ ታጋንሮግ ሎሮን ካልኦትን ምስ ሩስያ ዝነበረ ኽርክር፣ ቻንን ካልኦትን ምስ ደቡብ ኮርያ ዝነበረ ኽርክር

ክርስትያናዊ ህይወት

“ነቲ ብስራት ክማጐተሉን ብሕጊ ኽስርቶን”

“ነቲ ብስራት ክማጐተሉን ብሕጊ ኽስርቶን”

ተጻረርቲ ንእስራኤላውያን ካብ ዳግመ ህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ደው ኬብልዎም ምስ ፈተኑ፡ እቶም ሃነጽቲ ንሕጋዊ መሰላቶም ኪጥቀምሉ ጽዒሮም እዮም። (እዝ 5:11-16) ክርስትያናት እውን ብተመሳሳሊ፡ ንዕዮ እቲ ብስራት ኪመጐትሉን ብሕጊ ኺስትርቱን ይጽዕሩ እዮም። (ፊል 1:7) ከምዚ ንምግባር ድማ 1936 ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ሕጊ ቘይሙ እዩ። ሎሚ ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዚርከብ ክፍሊ ሕጊ፡ ንዓለምለኻዊ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምክልኻል ይዓዪ እዩ። እዚ ኽፍሊ እዚ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕን ንህዝቢ ኣምላኽ ንምጥቃምን እንታይ ይሰረሕ ኣሎ፧

ነታ ዑደት እቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዚርከብ ክፍሊ ሕጊ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ንሕጊ ዚምልክት ጸገማት እዩ ኣጋጢምዎም ነይሩ፧

  • እንታይ ሕጋዊ ዓወታት ኢና ረኺብና፧ ኣብነት ሃብ

  • ‘ነቲ ብስራት ንምምጓትን ብሕጊ ንምስራትን’ ነፍሲ ወከፍና እንታይ እጃም ከነበርክት ንኽእል፧

  • ኣብ ወብሳይትና ብዛዕባ ንህዝቢ ኣምላኽ ዚጸሉ ሕጋዊ ምዕባለታትን ብዛዕባ እቶም ብሰንኪ እምነቶም እተኣስሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ኣበይ ሓበሬታ ንረክብ፧