ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

‘ነቲ ዕዮ ዕንቅፋት ኣይትኹኑ’

‘ነቲ ዕዮ ዕንቅፋት ኣይትኹኑ’

እቲ ሊቐ ኻህናት እያሱን እቲ ኣመሓዳሪ ዘሩባቤልን እገዳ እናሃለወ ኽነሱ፡ ነታ ቤተ መቕደስ ዳግም ንምህናጽ መሪሕነት ወሰዱ (እዝ 5:1, 2w22.03 17 ¶13)

እቶም ተጻረርቲ እቲ ዕዮ ኺዕየ መን ከም ዝፈቐደ ምስ ሓተቱ፡ ኣይሁዳውያን ነቲ ቂሮስ ዘውጽኦ ኣዋጅ ጠቐሱሎም (እዝ 5:3, 17w86 1/2 29፡ ሳጹን ¶2-3)

እቲ ንጉስ ነቲ ኣቐዲሙ ዝወጸ ኣዋጅ ኪቕጽልን እቶም ተጻረርቲ ነቲ ዕዮ ኸይዓናቑፉን ኣዘዘ (እዝ 6:7, 8w22.03 15 ¶7)

ንምስትንታን ዚኸውን፦ እዚ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ በቶም መሪሕነት ኪህቡ ዝሸሞም ሰባት ዚውሃበና መምርሒ ዋላ እኳ ምሉእ ብምሉእ እንተ ዘይተረድኣና ኽንእዘዝ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧—w22.03 18 ¶16