ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ንዓና ንምግልጋል ይተግሁ

ንዓና ንምግልጋል ይተግሁ

ሓለውቲ ወረዳን ኣንስቶምን ነቶም ዜገልግልዎም ጥቕሚ ርእሳ እትስዉእ ፍቕሪ የርእዩ እዮም። ከማና ብሕታዊ ድሌት፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ድኻም፡ ጓሂ፡ ጭንቀት ይስምዕም እዩ። (ያእ 5:17) ይኹን እምበር፡ ኣብ ሰሰሙን ነቶም ዚበጽሕዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ምትብባዕ እዮም ዜተኵሩ። ሓለውቲ ወረዳ ብሓቂ “ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ።”—1ጢሞ 5:17

ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ኺበጽሖም ኪሓስብ ከሎ፡ ነታ ጉባኤ “መንፈሳዊ ውህበት ኬማቕላ” ኸምኡ እውን ‘ንሓድሕዶም ኪተባብዑ’ ተሃንጥዩ ነይሩ እዩ። (ሮሜ 1:11, 12) ንሓላው ወረዳ ምርዑው እንተ ዀይኑ ድማ ንሰበይቱ ብኸመይ ከም እተተባብዖም ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧

ነታ ህይወት ሓደ ኣብ ገጠር ዜገልግል ሓላው ወረዳ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ሓለውቲ ወረዳን ኣንስቶምን ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ንጉባኤታት ዜርእዩ ብኣየናይ መዳይ እዮም፧

  • ብብሕትኻ ኻብ ጻዕሮም እተጠቐምካ ብኸመይ ኢኻ፧

  • ብኸመይ ከነተባብዖም ንኽእል፧