ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

15-21 ሓምለ

መዝሙር 63–65

15-21 ሓምለ

መዝሙር 108ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ‘ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኻብ ህይወት ይበልጽ’

(10 ደቒቕ)

ምስ ኣምላኽ እንምስርቶ ጽቡቕ ዕርክነት ካብ ህይወት ይበልጽ (መዝ 63:3w01 15/10 15-16 ¶17-18)

የሆዋ ብኸመይ ብተኣማንነት ከም ዘፍቀርና እንተ ኣስተንቲንና፡ ንዕኡ ዘሎና ሞሳ ይዓዝዝ (መዝ 63:6w19.12 28 ¶4፣ w15 15/10 24 ¶7)

ነቲ ኣምላኽ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ነማስወሉ እንተ ዄንና፡ ንዕኡ ተሓጒስና ኸነወድሶ ንድረኽ ኢና (መዝ 63:4, 5w09 15/7 16 ¶6)

ንኣምልኾ ስድራ ቤት ዚኸውን ሓሳብ፦ የሆዋ ብኸመይ ከም ዘፍቀረኩም ተመያየጡ።

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 64:3—እዛ ፍቕዲ ኣወንታዊ ዘረባ ኽንዛረብ እተለዓዕለና ብኸመይ እያ፧ (w07 15/11 15 ¶6)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(2 ደቒቕ) ኣብ በቤት። እቲ ብዓል ቤት ካልእ ቋንቋ እዩ ዚዛረብ። (lmd ትምህርቲ 3 ነጥቢ 4)

5. ዝርርብ ምጅማር

(2 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ምስክርነት ቅድሚ ምጅማርካ እቲ ምይይጥ ደው ይብል። (lmd ትምህርቲ 2 ነጥቢ 4)

6. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። ኣየናይ ርእሰ ነገር ከም ዚስሕቦ ፍለጥ፡ ተኸታተሎ እውን። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 5)

7. እምነትካ ምግላጽ

(4 ደቒቕ) መርኣያ። ijwfq 51—ፍረ ነገር፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ‘ኣይንደልን ኢና’ ንዝበሉ ሰባት፡ ስለምንታይ እዮም መሊሶም ዜዘራርብዎም፧ (lmd ትምህርቲ 4 ነጥቢ 3)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 154

8. ንኣምላኽ ፍቕሪ እንርእየሉ መገዲ

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

የሆዋ “ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ” እዩ። (መዝ 86:15) “ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሪ” ነታ ብቓልን ብንጽህናን ብተኣማንነትን ተደሪኽካ እትርአ ፍቕሪ ተመልክት። የሆዋ ብሓፈሻ ንደቂ ሰባት ፍቕሪ ዜርኢ እኳ እንተ ዀነ፡ እታ ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሪ ግና ነቶም ምስኡ ፍሉይ ርክብ ዘለዎም እሙናት ኣገልገልቱ ጥራይ እዩ ዜርእያ። (መዝ 33:18፣ 63:3፣ ዮሃ 3:16፣ ግብ 14:17) ንሕና እውን ንዕኡ መሊስና ብምፍቃር፡ ነዛ ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሪ የሆዋ፡ ሞሳና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ነቲ “ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ዚብል ሓዊስካ፡ ንዅሉ ትእዛዛቱ ብምሕላው እዩ።—ማቴ 28:19፣ 1ዮሃ 5:3

ነታ ኣብ ኣገልግሎት ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኣርኢ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦

ኣብዚ ዚስዕብ ኵነታት ብስራት ክንሰብኽ ፍቕሪ እተለዓዕለና ብኸመይ እያ፧

  • ክንደክም ከለና

  • ተቓውሞ ኼጋጥመና ኸሎ

  • መዓልታዊ ንጥፈታት ክንገብር ከለና

9. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 12 ¶14-20

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 79ን ጸሎትን