ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መዝሙር 60-68

ነቲ ሰማዕ ጸሎት ዝዀነ የሆዋ ወድሶ

ነቲ ሰማዕ ጸሎት ዝዀነ የሆዋ ወድሶ

ንየሆዋ ዝኣቶኻዮ መብጽዓኻ ምእንቲ ኽትሕሉ ጸሊ

61:1, 8

  • ብዛዕባ እቲ ዝኣቶናዮ መብጽዓ ምጽላይና፡ መብጽዓና ኽንሕሉ ይሕግዘና

  • ርእስና ንኣምላኽ ምውፋይ፡ ክንገብሮ እንኽእል ካብ ኵሉ ዝበለጸ መብጽዓ እዩ

ሃና

ልብኻ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብጸሎት ብምፍሳስ ብእኡ ኸም እትእመን ኣርኢ

62:8

  • ትርጉም ዘለዎ ጸሎት፡ ውሽጣዊ ስምዒታትና ምግላጽ የጠቓልል

  • ብዛዕባ ዜተሓሳስበና ነገር ኣነጺርና ንጽሊ እንተ ዄንና፡ ነቲ የሆዋ ዚህቦ ምላሽ ብዝያዳ ነቕልበሉ ኢና

የሱስ

የሆዋ፡ ጸሎት ኵሎም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ይሰምዕ

65:1, 2

  • የሆዋ ኻብ ልቡ ኺፈልጦን ፍቓዱ ኺገብርን ንዚደሊ “ዅሉ ዓይነት ሰብ” ይሰምዖ

  • ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ንኽእል ኢና

ቆርኔሌዎስ

ኣብ ጸሎትካ ኽትጠቕሶ እትደሊ ነጥብታት ጽሓፍ።