ክርስትያናዊ ህይወት
ንኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ዚኸውን ግብራዊ ምኽሪ
ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ልክዕ ከምቲ ኻልእ ኣኼባታት ጉባኤ፡ ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ብየሆዋ እተገብረ መሰናድዎ እዩ። (እብ 10:24, 25) እዚ ኣኼባ እዚ፡ ካብ ሓሙሽተ ኽሳዕ ሸውዓተ ደቒቕ ዚወስድ ኰይኑ፡ ጕጅለታት ምውዳብን ክሊ ምምዳብን ጸሎትን የጠቓልል። (ድሕሪ ኻልእ ኣኼባ ዚግበር እንተ ዀይኑ ግና ካብዚ ኺሓጽር ኣለዎ) እቲ ዚመርሕ ሓው ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ዚካፈሉ ዚጠቅም ሓሳብ ኪዳሎ ኣለዎ። ንኣብነት፡ ቀዳም ኣብታ ሰሙን እቲኣ ዘይወጹ ኣሕዋት እንተ ኣልዮም፡ ኣብ ኣገልግሎት እንታይ ከም ዚብሉ፡ ግብራዊ ሓሳብ ኬካፍሎም ይኽእል እዩ። ንምይይጥ ኪቐርብ ዚኽእል እንታይ ካልእ ጠቓሚ ነገራት ኣሎ፧
-
ኣብ ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን ደብተር ኣኼባ ዚርከብ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት
-
እዋናዊ ፍጻመ ወይ ዜና፡ ምይይጥ ንምጅማር ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ
-
ልሙድ ንዝዀነ ተቓውሞ ብኸመይ ምላሽ ከም እትህበሉ
-
ብኣምላኽ ዘይኣምን፡ ብፍልቀት ዚኣምን፡ ካልእ ቋንቋ ዚዛረብ ወይ ኣብቲ ኸባቢ ልሙድ ዝዀነ ሃይማኖት ዘይብሉ ሰብ፡ ምስ ዜጋጥም ብኸመይ ምላሽ ከም እትህበሉ
-
ንወብ ሳይት jw.orgን ንJW ኣፕሊኬሽንን ወይ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ
-
ካብ ናውቲ ትምህርቲ ሓንቲ ንዋት ብኸመይ ከም እትጥቀም
-
ኣብ እተፈላለየ መዳያት ኣገልግሎት፡ ማለት ኣብ ምስክርነት ተሌፎን፡ ደብዳበ ኣብ ምጽሓፍ፡ ብግህዶ ኣብ ዚግበር ምስክርነት፡ ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ወይ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እትሳተፍ
-
ብዛዕባ ድሕንነት፡ ተዓጻጻፊ ብዛዕባ ምዃን፡ ጽቡቕ ባህርይ ብዛዕባ ምርኣይ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ብዛዕባ ምሓዝ ወይ ብዛዕባ ኻልእ ተመሳሳሊ ነገር ምዝኽኻር
-
ካብታ ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ ዘርእስታ ብሮሹር ሓንቲ ቪድዮ ወይ ሓንቲ ትምህርቲ ምቕራብ
-
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ንመገላግልትኻ ብኸመይ ከም እተተባብዕን ከም እትሕግዝን
-
ምስ ኣገልግሎት ዚተሓሓዝ ጥቕሲ ወይ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እተረኽበ ዜተባብዕ ተመክሮ