ክርስትያናዊ ህይወት
ብመንፈስ ቅዱስ እተዓምመ ኸቢድ ዕዮ
ኣብ መላእ ታሪኽ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብኽእለቶም ዘይኰነስ፡ ብሓገዝ የሆዋ ዜደንቕ ዕዮ ዓሚሞም እዮም። ብ1954 ውድብ የሆዋ ዘ ኒው ዎርልድ ሶሳይቲ ኢን ኣክሽን ዘርእስታ ፊልም ኣዳልያ ነይራ። እዛ ፊልም እዚኣ ብቐንዱ ተመክሮ ብዘይ ነበሮም ቤት-ኤላውያን እያ ተሰሪሓ። እዚ ኸቢድ ፕሮጀክት እዚ፡ ብመንፈስ የሆዋ ጥራይ እዩ ተዓሚሙ። ኣብ የሆዋ እንተ ተወኪልና፡ ኣብ እተዋህበና ዝዀነ ይኹን ዕዮ፡ ዕዉታት ክንከውን ከም እንኽእል ድማ ምትእምማን የሕድረልና።—ዘካ 4:6።
ነታ “ዘ ኒው ዎርልድ ሶሳይቲ ኢን ኣክሽን” እተዳለወትሉ መገዲ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ፊልም ኪስራሕ እተወሰነ ስለምንታይ እዩ፧
-
እታ ፊልም፡ ቤት-ኤል ልክዕ ከም ኣካላት ሰብነት ከም ዝዀነት እተርኢ ብኸመይ እያ፧—1ቈረ 12:14-20
-
ኣሕዋት ነታ ፊልም ኪሰርሑ ኸለዉ እንታይ ዕንቅፋታት እዩ ኣጋጢምዎም፧ ብኸመይከ ሰጊሮምዎ፧
-
እዚ ዕማም እዚ፡ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧