ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
ካብ ዘይምርድዳእ እንረኽቦ መለበሚ
ብሸነኽ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዚነብሩ ዝነበሩ ነገዳት፡ ዓብዪ ምርኡይ መሰውኢ ሰርሑ (እያ 22:10)
ካልኦት ነገዳት ድማ ከም ጠላማት ገይሮም ከሰስዎም (እያ 22:12, 15, 16፣ w06 15/4 5 ¶3)
እቶም ብጌጋ እተኸስሱ ዝሃብዎ ልኡም ምላሽ፡ ካብ ምፍሳስ ደም ኣድሒኑ (እያ 22:21-30፣ w08 15/11 18 ¶5)
ብዘይውዓልናዮ ኽንክሰስ ከለናን ጽቡቕ ጌርና ኣብ ዘይንፈልጦ ጕዳይ ምላሽ ክንህብ ከለናን ካብዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ ንምሃር፧—ምሳ 15:1፣ 18:13።