ክርስትያናዊ ህይወት
ንመወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ብምትእምማን ተጸበዮ
ድሕሪ ሓጺር እዋን የሆዋ ነዛ ዓለም ዜርእዮ ትዕግስቲ ኼብቅዕ እዩ። ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክትጠፍእን ዝሰመሩ ኣህዛብ ንህዝቢ ኣምላኽ ኬጥቅዕዎምን የሆዋ ንእኩያት ብኣርማጌዶን ኬጥፍኦምን እዩ። ክርስትያናት ነዚ ኣገዳሲ ፍጻመታት ተሃንጥዮም እዮም ዚጽበይዎ።
ልክዕ እዩ፡ ብዛዕባ ብርቱዕ ጸበባ ዝርዝር ነገራት ኣይንፈልጥን ኢና። ንኣብነት፡ ብልክዕ መዓስ ከም ዚጅምር ኣይንፈልጥን ኢና። ፖለቲካውያን ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታት መጥቃዕቲ ኺፍንዉ ዚድርኾም እንታይ ምዃኑ ኣይንፈልጥን ኢና። ኣህዛብ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዚፍንውዎ መጥቃዕቲ፡ ንኽንደይ እዋን ከም ዚጸንሕን እንታይ ከም ዜጠቓልልን ኣይንፈልጥን ኢና። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ንእኩያት ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን ንምጥፋእ ብልክዕ እንታይ መገዲ ኸም ዚጥቀም ኣይንፈልጥን ኢና።
እንተዀነ ግና፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ መጻኢ ምትእምማንን ትብዓትን ምእንቲ ኺህልወና ዜድልየና ዅሉ ሓበሬታ ይህበና እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ መወዳእታ “ዳሕሮት መዓልትታት” ከም ዘለና ንፈልጥ ኢና። (2ጢሞ 3:1) እታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ምእንቲ ኸይትጠፍእ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታት ዚፍኖ መጥቃዕቲ ኸም ‘ዚሓጽር’ ንፈልጥ ኢና። (ማቴ 24:22) የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዜድሕኖም ንፈልጥ ኢና። (2ጴጥ 2:9) እቲ ንእከይ ኬጥፍእን ብዙሓት ህዝቢ ኻብ ኣርማጌዶን ኬድሕኖምን የሆዋ ዝመረጾ፡ ጻድቕን ሓያልን ምዃኑ ንፈልጥ ኢና።—ራእ 19:11, 15, 16።
ብሰንኪ እቲ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ፍጻመታት፡ ሰባት ብፍርሂ “ውኖኦም ኪጠፍኦም” እዩ። እንተዀነ ግና፡ ነቲ የሆዋ ቕድሚ ሕጂ ህዝቡ ንምድሓን ዝወሰዶ ስጕምትን ነቲ ኣብ መጻኢ ኸም ዚፍጽሞ ዝገለጾ ፍጻመታትን ምንባብ፡ ብዛዕባኡ ኸኣ ምስትንታን ድሕነትና ኸም ዚቐረበ ተኣማሚንና “ቕንዕ” ክንብልን ‘ርእስና ኸነልዕልን’ ይሕግዘና እዩ።—ሉቃ 21:26, 28።