14-20 ሕዳር
2 ነገስት 7-8
መዝሙር 143ን ጸሎትን
መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“የሆዋ ዘይተጸበይዎ ገይሩ”፦ (10 ደቒቕ)
መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (10 ደቒቕ)
2ነገ 8:19—የሆዋ ንዳዊትን ንደቁን “መብራህቲ” ዝሃቦም ብኸመይ እዩ፧ (it-2 195 ¶7)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ወፍሪ፡ ወይ ብዛዕባ ኻልእ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ) 2ነገ 7:1-11 (th መጽናዕቲ 2)
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ቪድዮ ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (5 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ መጽሓፍ ቅዱስ—ራእ 21:3, 4 ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ነታ ቪድዮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕረፍቲ ደው ኣቢልካ፡ ኣብታ ቪድዮ ንዘሎ ሕቶታት ሕተት።
ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (4 ደቒቕ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። ነቲ ብዓል ቤት ብዛዕባ ወብሳይትና ንገሮን ካርድ ኣድራሻ jw.org ሃቦን። (th መጽናዕቲ 6)
ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (4 ደቒቕ) በቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርብ ጀምር። ነቲ ብዓል ቤት ናብ ኣኼባ ዓድሞ፡ ድሕሪኡ ነታ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚግበር፧ ዘርእስታ ቪድዮ ኣፋሊጥካ ተመያየጠላ። (ነታ ቪድዮ ኣይትወልዓያ) (th መጽናዕቲ 11)
ክርስትያናዊ ህይወት
ነታ ጉባኤ ዜድሊ፦ (15 ደቒቕ)
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ) rr ምዕ. 15 ¶15-17፡ ሳጹን 15ሀ
መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ)
መዝሙር 122ን ጸሎትን