ክርስትያናዊ ህይወት
ጸሎትና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡር እዩ
የሆዋ ዚቕበሎ ጸሎት ልክዕ ከምቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ቅድሚኡ ዚዕጠን ዝነበረ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን እዩ። (መዝ 141:2) ንሰማያዊ ኣቦና ብዛዕባ ፍቕርና፡ ሞሳና፡ ሻቕሎትና፡ ድሌትና ኽንገልጸሉ ኸለናን መምርሒታቱ ኺህበና ኽንጽሊ ኸለናን ነቲ ምስኡ ዘሎና ምሕዝነት ክብ ኣቢልና ኸም እንርእዮ እዩ ዚሕብር። ልክዕ እዩ፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ኣኼባታትና ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዚቐርብ ሓጺር ጸሎት ኣገዳሲ ኽፍሊ ኣምልኾና ኸም ዚዀነ ገይሩ እዩ ዚርእዮ። እንተዀነ ግና፡ ልብና ብምፍሳስ ንውሕ ዝበለ ብሕታዊ ጸሎት ምስ እነቕርብ፡ እዚ ንየሆዋ የሐጐሶ እዩ።—ምሳ 15:8።
ነታ ናይ ጸሎት ሰብ እየ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ሓውና ጆንሰን እንታይ ፍሉይ መሰል እዩ ረኺቡ፧
-
ሓውና ጆንሰን ኣብ የሆዋ ኸም ዚውከል ብጸሎት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧
-
ካብ ተመክሮ ሓውና ጆንሰን እንታይ ተማሂርካ፧