ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“ብዘላ ቤት ኣከኣብ . . . ክትጠፍእ እያ”—2ነገ 9:8
መንግስቲ ይሁዳ
ዮሳፋጥ ነገሰ
ከ. 911 ቅ.ክ.፦ ዮራም (ወዲ ዮሳፋጥ፣ ሰብኣይ ዓታልያ—ጓል ኣከኣብን ኢዛቤልን) በይኑ ኺገዝእ ጀመረ
ከ. 906 ቅ.ክ.፦ ኣሓዝያ (ወዲ ጓል ኣከኣብን ኢዛቤልን) ነገሰ
ከ. 905 ቅ.ክ.፦ ዓታልያ ንዅሎም ዘርኢ ንጉስ ቀቲላ፡ ዝፋን መንዝዐት። የሆያዳ እቲ ሊቐ ኻህናት ንወዲ ወዳ ዮኣስ ካብኣ ሓቢእዎ ስለ ዝነበረ፡ ንሱ ጥራይ እዩ ተሪፉ ነይሩ።—2ነገ 11:1-3
898 ቅ.ክ.፦ ዮኣስ ነገሰ። ንግስቲ ዓታልያ ብሊቀ ኻህናት የሆያዳ ተቐትለት።—2ነገ 11:4-16
መንግስቲ እስራኤል
ከ. 920 ቅ.ክ.፦ ኣሓዝያ (ወዲ ኣከኣብን ኢዛቤልን) ነገሰ
ከ. 917 ቅ.ክ.፦ ዮራም (ወዲ ኣከኣብን ኢዛቤልን) ነገሰ
ከ. 905 ቅ.ክ.፦ የሁ ነቲ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ዮራምን ኣሕዋቱን፣ ንኣደ ዮራም (ኢዛቤል)፣ ነቲ ንጉስ ይሁዳ ዝነበረ ኣሓዝያን ኣሕዋቱን ቀተሎም።—2ነገ 9:14-10:17
ከ. 904 ቅ.ክ.፦ የሁ ንጉስ ኰይኑ ኺገዝእ ጀመረ