ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
ብምሉእ ልቢ ዚግበር ጻዕሪ ብዙሕ በረኸት የምጽእ
ኤልሳእ ንንጉስ ዮኣስ፡ እስራኤል ንሶርያ ብኸመይ ከም እትስዕራ ኣብ ዘርኢ መርኣያ ኺሳተፍ ኣዚዝዎ (2ነገ 13:15-18)
ዮኣስ ብምሉእ ልቡ ስለ ዘይገበሮ፡ ውሱን ዓወት ጥራይ እዩ ረኺቡ (2ነገ 13:19፣ w10 15/4 26 ¶11)
የሆዋ ነቶም ካብ ልቦም ዚደልይዎ ኣገልገልቱ ብዙሕ ይባርኾም (እብ 11:6፣ w13 1/11 11 ¶5-6)
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምንባብ፡ ኣኼባታት ኣብ ምእካብ፡ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣብ ምስታፍ ዝኣመሰለ መዳያት ኣምልኾይ ብምሉእ ልበይ እጽዕር ከም ዘለኹ ኼርኢ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧’