ክርስትያናዊ ህይወት
የሆዋ ጻዕርና ይዝክር
ሓድሓደ ግዜ፡ ሰባት ነቲ ምእንታኦም እንገብሮ ጻዕሪ፡ ዘየማስውሉን ቀልጢፎም ዚርስዕዎን ኰይኑ ይስምዓና ይኸውን። ንየሆዋ ኢልና እንገብሮ ዕዮኸ፧ እቲ መማሰዊ ዝዀነ ኣምላኽና፡ ነቲ ንዕኡ ንምግልጋል ኢልና እንገብሮ ጻዕሪ ፈጺሙ ኣይርስዖን እዩ። እቲ እንገብሮ ዝነበርና ነገር ብሰንኪ ጸገም ጥዕና እኳ እንተ ተደረተ፡ የሆዋ ግና ፈጺሙ ኣይሓድገናን እዩ።—እብ 6:10።
ነታ የሆዋ ኣይርስዕን እዩ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ሓውና ሂብሽማን ኣብ እተፈላለየ መዳያት ኣገልግሎት ንየሆዋ ተጊሁ ዘገልገሎ ብኸመይ እዩ፧
-
ሓውና ሂብሽማን ሰበይቱ ምስ ሞተቶን ብእርጋን ዓቕሙ ምስ ተደረተን የሆዋ ዘይረሰዖ ብኸመይ እዩ፧
-
ሓውና ሂብሽማን እቲ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎቱ ዘሕለፎ ህይወት በረኸት ዝመልኦ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧—ምሳ 10:22