ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

“ሃቡ”

“ሃቡ”

የሱስ ልግሲ ተመሓላላፊ ምዃኑ ሓቢሩ እዩ። (ሉቃ 6:38) ከመይሲ፡ ለጋስ እንተ ዄንካ፡ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ለዋሃትን ለጋሳትን ኪዀኑ ይድረኹ እዮም።

ብሓጐስ ምሃብ ክፍሊ ኣምልኾና እዩ። የሆዋ ነቶም ሓገዝ ዜድልዮም ክርስትያናት ብጾቶም ዚልግሱ የስተብህለሎም እዩ፣ ዓስቦም ከም ዚህቦም ከኣ ቃል ኣትዩ እዩ።—ምሳ 19:17

ነታ ስለቲ ልግስኹም ነመስግነኩም ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ወፈያኻ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ንምድጋፍ ዚውዕል ብኸመይ እዩ፧

  • መጠኑ ብዘየገድስ ብቐጻሊ ኽንህብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧—ነታ ኣብ jw.org እትርከብ “ተረፍ ገሊኦም፡ ንጐደሎ ኻልኦት ይምልእ” ዘርእስታ ዓንቀጽ እውን ርአ።