ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ነቲ ዘጥረናዮ ጽቡቕ ስም ንምዕቃብ እንታይ ክገብር እኽእል፧

ነቲ ዘጥረናዮ ጽቡቕ ስም ንምዕቃብ እንታይ ክገብር እኽእል፧

ሰባት ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜርእይዎ ሰናይ ኣካይዳ የስተብህሉሉ እዮም። (1ቈረ 4:9) ንገዛእ ርእስና ኸምዚ ዚስዕብ ኢልና ንሕተታ፡ ‘ዘረባይን ተግባረይን ንየሆዋ ኽብሪ የምጽኣሉ ድዩ፧’ (1ጴጥ 2:12) ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንብዙሕ ዓመታት ዘጥረይዎ ጽቡቕ ስም ዜባላሹ ዝዀነ ይኹን ነገር ክንገብር ኣይንደልን ኢና።—መክ 10:1

ኣብዚ ዚስዕብ ኵነታት ሓደ ክርስትያን ኪምልሶ ዚግብኦን ኪሕግዞ ዚኽእል ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ጽሓፍ፦

  • ሓደ ዘይኣማኒ ተቘጢዑ ምስ ዚነቕፈካ

  • ክዳንካ፡ ማኪናኻ ወይ ገዛኻ ብስርዓት ምስ ዘይትሕዝ

  • ኣብቲ እትነብረሉ ዓዲ ዘሎ ሕጊ፡ ዘይፍትሓዊ ወይ ክትእዘዞ ኣጸጋሚ ምስ ዚኸውን

ኣብ ክፍሊ ጽሕፈት ምርምር ዚገብሩ ንጽቡቕ ስምና ብኸመይ ኣበርክቶ ገይሮም፧

ነታ ንሓቂ ፍቕርን ኣኽብሮትን ምርኣይ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዛ እትስዕብ ሕቶ መልሳ፦

ካብቲ ብውድብ የሆዋ ልክዕ ሰነድ ንምድላው ዚግበር ጻዕሪ እንታይ መሲጡካ፧