ክርስትያናዊ ህይወት
ኣቱም ወለዲ—ደቅኹም ንኣምላኽ ብኸመይ ኬሐጕስዎ ኸም ዚኽእሉ ምሃርዎም
የሆዋ ንመንእሰያት ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮም። ንመንፈሳዊ ዕቤቶምን ተጻዋርነቶምን የስተብህለሉ እዩ። (1ሳሙ 2:26፣ ሉቃ 2:52) ዋላ እኳ ኣዝዮም ንኣሽቱ እንተ ዀኑ፡ ቈልዑ በቲ ሰናይ ኣካይዳኦም ንልቢ የሆዋ ኼሐጕስዎ ይኽእሉ እዮም። (ምሳ 27:11) የሆዋ፡ ወለዲ ንደቆም ንዕኡ ኼፍቅርዎን ኪእዘዝዎን ንምምሃር ዚሕግዞም ብሉጽ ንዋት ብውድቡ ኣቢሉ ኣዳልዩ እዩ።
ነታ ኣቱም ውሉዳት፡ ተጻዋርነትኩም ንየሆዋ የሐጕሶ እዩ! ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት የሆዋ ንመንእሰያት እንታይ ሓገዝን መምርሕን እዩ ኣዳልዩ፧
-
ኣብዚ እዋን እዚ ንወለዲ ዚሕግዝ እንታይ ናውቲ እዩ ዘሎ፧
-
መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ የሆዋ እንታይ ዚጠቕመካ ነገር እዩ ኣዳልዩልካ ዘሎ፧ ስለምንታይከ፧