ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣቱም ወለዲ—ደቅኹም ንኣምላኽ ብኸመይ ኬሐጕስዎ ኸም ዚኽእሉ ምሃርዎም

ኣቱም ወለዲ—ደቅኹም ንኣምላኽ ብኸመይ ኬሐጕስዎ ኸም ዚኽእሉ ምሃርዎም

የሆዋ ንመንእሰያት ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮም። ንመንፈሳዊ ዕቤቶምን ተጻዋርነቶምን የስተብህለሉ እዩ። (1ሳሙ 2:26፣ ሉቃ 2:52) ዋላ እኳ ኣዝዮም ንኣሽቱ እንተ ዀኑ፡ ቈልዑ በቲ ሰናይ ኣካይዳኦም ንልቢ የሆዋ ኼሐጕስዎ ይኽእሉ እዮም። (ምሳ 27:11) የሆዋ፡ ወለዲ ንደቆም ንዕኡ ኼፍቅርዎን ኪእዘዝዎን ንምምሃር ዚሕግዞም ብሉጽ ንዋት ብውድቡ ኣቢሉ ኣዳልዩ እዩ።

ነታ ኣቱም ውሉዳት፡ ተጻዋርነትኩም ንየሆዋ የሐጕሶ እዩ! ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት የሆዋ ንመንእሰያት እንታይ ሓገዝን መምርሕን እዩ ኣዳልዩ፧

  • ኣብዚ እዋን እዚ ንወለዲ ዚሕግዝ እንታይ ናውቲ እዩ ዘሎ፧

  • መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ የሆዋ እንታይ ዚጠቕመካ ነገር እዩ ኣዳልዩልካ ዘሎ፧ ስለምንታይከ፧