ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

“ኣዋህሊልካ ኣቐምጥ”

“ኣዋህሊልካ ኣቐምጥ”

እንገብሮ ወፈያ ብሃንደበት ኪኸውን የብሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ወትሩ ‘ኣዋህሊልና ኸነቐምጥ’ ኣሎና። (1ቈረ 16:2) ነዚ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ምኽሪ ምስዓብ፡ ንንጹህ ኣምልኾ ኸነደንፍዕ ይሕግዘና፡ ሓጐስ ድማ የምጽኣልና። እቲ እንገብሮ ወፈያ ኣዝዩ ሒደት ኰይኑ እኳ እንተ ተሰምዓና፡ የሆዋ ግና ነቲ ብጥሪትና ንዕኡ ንምኽባር እንገብሮ ወፈያ ኣዝዩ የማስወሉ እዩ።—ምሳ 3:9

ነታ ኣዋህሊልኩም ስለ እተቐምጡ ነመስግነኩም ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ብመደብ ገንዘባዊ ወፈያ ምግባር እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧

  • ገሊኦም ብኸመይ እዮም ‘ኣዋህሊሎም ኣቐሚጦም’፧