ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

23-29 ታሕሳስ

መዝሙር 119:121-176

23-29 ታሕሳስ

መዝሙር 31ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ዘየድሊ ጓሂ ልቢ ኣወግድ

(10 ደቒቕ)

ትእዛዛት ኣምላኽ ኣፍቅር (መዝ 119:127w18.06 17 ¶5-6)

ክፉእ ጽላእ (መዝ 119:128w93 15/4 17 ¶12)

ንየሆዋ ስማዕ፡ ንጌጋታት ‘ዘይልብምና’ ድማ ኣወግድ (መዝ 119:130, 133፣ ምሳ 22:3)

ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ትእዛዛት ኣምላኽ ምእንቲ ኸፍቅር ወይ ክፉእ ምእንቲ ኽጸልእ እንታይ ምምሕያሻት ክገብር ኣሎኒ፧’

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 119:105—ምስ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብምስምማዕ፡ እንታይ ኢና እንኣምን፧ (w23.01 2 ¶2)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 5)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ነቲ ብዓል ቤት ዚስሕቦ ሓበሬታ ኣብ jw.org ብኸመይ ከም ዚረክብ ኣርእዮ። (lmd ትምህርቲ 8 ነጥቢ 3)

6. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

(5 ደቒቕ) ኣዘውቲሩ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ምስ ዘይእከብ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ተመያየጥ። (lmd ትምህርቲ 12 ነጥቢ 4)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 121

7. ገንዘብ ዘየድሊ ስቓይ ኬስዕበልካ ኣይተፍቅድ

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

እቶም ገንዘብ ዜፍቅሩ ሰባት “ንርእሶም እውን ብብዙሕ ስቓይ” ይወጋግኡ እዮም። (1ጢሞ 6:9, 10) ገንዘብ ነፍቅሮን ኣብ ህይወትና ኣገዳሲ ቦታ ንህቦን እንተ ዄንና፡ ገለ ኸብቲ ዜስዕበልና ስቓይ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ኣሎ።

  • ምስ የሆዋ ጥቡቕ ዝምድና ኣይህልወናን።—ማቴ 6:24

  • ፈጺምና ኣይንዓግብን።—መክ 5:10

  • ከም ካብ ሓሶት፡ ስርቂ፡ ጥልመት ዝኣመሰለ ጌጋታት ኣይንስተርን። (ምሳ 28:20) ጌጋታት እንተ ጌርና ድማ፡ ስምዒት በደለኛነት ይህልወና፡ ሕማቕ ስም ነጥሪ፡ ከምኡ እውን ስምረት ኣምላኽ ንስእን

እብራውያን 13:5 ኣንብብ ድሕሪኡ፡ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ተመያየጡላ፦

  • ንገንዘብ እንታይ ዓይነት ኣርኣእያ ምስ ዚህልወና ኢና ኻብ ጓሂ እንስተር፧ ስለምንታይከ፧

ዋላ እኳ ፍቕሪ ገንዘብ እንተ ዘይብልና፡ ብጥበብ እንተ ዘየካዊናዮ ግና፡ ጓሂ ልቢ ኼጋጥመና እዩ።

ነታ ንገንዘብካ ብኸመይ ተካውኖ፧ ዘርእስታ ስእሊ ሰሌዳ ወልዓያ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ንሰማዕቲ ሕተቶም፦

  • ባጀት ክንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ብኸመይከ ንገብሮ፧

  • ገንዘብ ምውህላል ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ኣብ ዘየድሊ ዕዳ ዘይምእታው ጥበባዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 20 ¶1-7 ኸምኡ እውን፡ መእተዊ 7ይ ክፋል

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 101ን ጸሎትን