ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

30 ታሕሳስ 2024–5 ጥሪ 2025

መዝሙር 120–126

30 ታሕሳስ 2024–5 ጥሪ 2025

መዝሙር 144ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ እስራኤላውያን ጻዕሮም የሆዋ ስለ ዝባረኾ ብሓጐስ ይዓጽዱ።

1. ብንብዓት ዘሪኦም፡ ብእልልታ ድማ ዓጺዶም

(10 ደቒቕ)

ንጹህ ኣምልኾ ናብ ቦታኡ ምእንቲ ኺምልስ፡ እስራኤላውያን ካብ ባቢሎን ናጻ ምስ ወጹ ተሓጒሶም እዮም (መዝ 126:1-3)

እቶም ናብ ይሁዳ እተመልሱ ብሰንኪ እቲ ኸቢድ ዕዮ ነቢዖም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም (መዝ 126:5w04 1/6 16 ¶10)

እቶም ዝጸንዑ ተባሪኾም እዮም (መዝ 126:6w21.11 24 ¶17፣ w01 15/7 18-19 ¶13-14፣ ኣብ ዘላ ስእሊ ርአ)

ንምስትንታን ዚኸውን፦ ድሕሪ እዚ ኣረጊት ዓለም ካብ ኣርማጌዶን ምስ ደሓንና እንታይ በዳሂ ነገር እዩ ኼጋጥመና፧ እንታይ በረኸትከ ኢና ኽንዓጽድ፧

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 124:2-5—የሆዋ ኸምቲ ንእስራኤላውያን ዘዕቘቦም ንዓና እውን ኣካላዊ ዕቝባ ኺገብረልና ኽንጽበ ንኽእል ዲና፧ (cl 73 ¶15)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። (lmd ትምህርቲ 3 ነጥቢ 5)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። እቲ ብዓል ቤት ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይኣምነሉ ነጊሩካ ነይሩ። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 5)

6. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 155

7. በቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ደስ ይበልካ

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

የሆዋ ነቶም ብባቢሎናውያን እተማረኹ ህዝቡ ዘተስፈዎ ተስፋ ፈጺምዎ እዩ። ኣድሒንዎምን ብመንፈሳዊ ኣሕውይዎምን እዩ። (ኢሳ 33:24) ንዕኦምን ንማሎምን ካብ ሓደጋ ኣዕቊብዎም እዩ፣ ብፍላይ ከኣ ኣናብስን ኣራዊትን ኣብ ዝበዝሕሉ እዋን። (ኢሳ 65:25) ኣብ ዝሃነጽዎ ኣባይቲ ኺነብሩን ካብ ዝተኸልዎ ወይኒ ኺበልዑን ይኽእሉን ነይሮም እዮም። (ኢሳ 65:21) ኣምላኽ ንዕዮኦም ባሪኽዎን ነዊሕ ዕድመ ኺነብሩ ኣኽኢልዎምን እዮ።—ኢሳ 65:22, 23

መንጫዕጫዕታ፦ Maridav/stock.adobe.com፣ ኣኽራን፦ AndreyArmyagov/stock.adobe.com

ነታ በቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት ሰላም ደስ ይበልካ—ቍንጽል ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • እዚ ትንቢታት እዚ፡ ኣብ ግዜና ኺፍጸም እንርእዮ ዘለና ብኸመይ እዩ፧

  • ኣብ ሓዳስ ዓለም ብዓብይኡ ዚፍጸም ብኸመይ እዩ፧

  • ኣየናይ ኪፍጽም ክትርኢ ኢኻ ብዝያዳ እትህንጠ፧

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 58ን ጸሎትን