ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

4-10 ሕዳር

መዝሙር 105

4-10 ሕዳር

መዝሙር 3ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. “ኪዳኑ ንዘለኣለም . . . ይዝክር”

(10 ደቒቕ)

የሆዋ ንኣብርሃም ቃል ኣትዩሉ፡ ነቲ ዝኣተዎ ቓል ንይስሃቅን ንያእቆብን እውን ደጊሙሎም (ዘፍ 15:18፣ 26:3፣ 28:13፣ መዝ 105:8-11)

እቲ የሆዋ ዝኣተዎ ቓል ዘይፍጸም ይመስል ነይሩ (መዝ 105:12, 13w23.04 28 ¶11-12)

የሆዋ እቲ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ ኺዳን ፈጺሙ ኣይረስዖን (መዝ 105:42-44it-2 1201 ¶2)


ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክእመን ከም ዝኽእል ምፍላጠይ ብኸመይ ክሕግዘኒ ይኽእል፧’

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 105:17-19—“ቃል የሆዋ” ንዮሴፍ ዘጽረዮ ብኸመይ እዩ፧ (w86 1/11 19 ¶15)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(1 ደቒቕ) ኣብ በቤት። እቲ ብዓል ቤት ትሑዝ እዩ። (lmd ትምህርቲ 2 ነጥቢ 5)

5. ዝርርብ ምጅማር

(2 ደቒቕ) ኣብ በቤት። እቲ ብዓል ቤት ዚካታዕ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ዝርርብ ብኣወንታ ዛዝሞ። (lmd ትምህርቲ 4 ነጥቢ 5)

6. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ነቲ ብዓል ቤት ዜገድሶ ዝነበረ ርእሰ ነገር ዝሓዘት መጽሔት ኣበርክተሉ። (lmd ትምህርቲ 8 ነጥቢ 3)

7. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ነቲ ብዓል ቤት ብዛዕባ JW ላይብረሪ ኣፕሊኬሽን ንገሮ፡ ብኸመይ ከም ዜራግፋ ድማ ኣርእዮ። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 5)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 84

8. መግለጺ ፍቕሪ

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ግዜና፡ ጕልበትና፡ ጥሪትና ንንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድጋፍ ነውዕሎ እንተ ደኣ ዄንና፡ ነቲ የሆዋ ዘንገሶ ወዱ ክርስቶስ የሱስ ዘሎና ፍቕሪ ኢና እነርኢ። ከምዚ ዓይነት ፍቕሪ ምስ እነርኢ ንየሆዋ የሐጕሶ፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን እውን ይጠቅም እዩ። (ዮሃ 14:23) እታ ኣብ jw.org እትርከብ “ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧” ዘርእስታ ዓምዲ፡ ወፈያና ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ኣሕዋትና ብኸመይ ብዙሕ ከም ዚሕግዞም ተርኢ።

ነታ ወፈያኻ ብኸመይ ይጠቅም ኣሎ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • ወፈያታት ንኣምልኾ ናጽነት ኣሕዋትና ንምጥባቕ ዝጠቐመ ብኸመይ እዩ፧

  • ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምህናጽ ‘ምምዕርራይ’ ምእንቲ ኺህሉ ወፈያ ዝሓገዘ ብኸመይ እዩ፧—2ቈረ 8:14

  • መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ሓያሎ ቛንቋታት ንምትርጓም ወፈያታት ኣብ ጥቕሚ ምውዓሉ እንታይ ውጽኢት ተረኺቡ፧

9. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 17 ¶13-19

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 97ን ጸሎትን