ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧—ብኸመይ ከም እትጥቀመላ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧—ብኸመይ ከም እትጥቀመላ

እተን መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧፣ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር ዚብሃላ መጻሕፍቲ ተመሳሰልቲ እየን። (እታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ናብ ትግርኛ ኣይተተርጐመትን) እዘን ክልተ ንመምሃሪ እንጥቀመለን ናውቲ እዚአን ሕደ ዓይነት ሓቂ ዜመሓላልፋ፡ ብሕደ ዓይነት መስርዕ እውን ዚምህራ እኳ እንተ ዀና፡ እታ ይምህረና እትብሃል መጽሓፍ፡ ቅልል ዝበለ ቓላትን መርትዖን እያ እትጥቀም። እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ንእትኸብዶም ሰባት ተባሂላ እያ ተዳልያ። እታ ይምህረና እትብል መጽሓፍ ኣብ ክንዲ መመላእታ ጽሑፍ፡ ናይ ገሊኡ ቓላት ቅልል ዝበለ መግለጽን ኣብቲ ቐንዲ ጽሑፍ ዚርከብ ሒደት ሓሳባትን ዝሓዘ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣለዋ። እቲ ምዕራፋት፡ መእተዊ ሕቶታት ወይ ድማ ሳጹን ክለሳ የብሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብቲ ቐንዲ ጽሑፍ እተገልጸ ጽማቝ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምቕራብ እዩ ዚዛዝም። ኣብ ወርሒ ዚዕደል ጽሑፍ ካልእ እውን እንተ ዀነ፡ እታ ይምህረና እትብሃል መጽሓፍ ልክዕ ከምታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ክትብርከት ትኽእል እያ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እንመርሓሉ እዋን ኣብዛ ይምህረና እትብሃል መጽሓፍ ንዘሎ ፍሉይ መዳያት ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧

ጽማቝ ሓሳባት፦ ንመብዛሕትኦም ሰባት በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምራሕ ንእንጥቀመሉ እተለምደ ሜላና፡ ማለት ሕጡብ ጽሑፍ ኣንቢብካ ሕቶ ምሕታት ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። እቲ ተምሃራይ ምስቲ ቛንቋ ብዙሕ ሌላ ዘይብሉ ወይ ድማ ጽቡቕ ገይሩ ዘየንብብ እንተ ዀይኑ ግና፡ ነታ ይምህረና እትብሃል መጽሓፍ ክትጥቀመላ ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ነቲ ጽማቝ ሓሳባት ከም መሰረት እቲ መጽናዕቲ ጌርካ ኽትጥቀመሉ፡ ነቲ ቐንዲ ጽሑፍ ድማ ንበይኑ ኼንብቦ ኸተተባብዖ ትኽእል ኢኻ። ነፍሲ ወከፍ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መብዛሕትኡ ግዜ 15 ደቒቕ ኣብ ዚወስድ ክፋል መጽናዕቲ ኺውሃብ ይከኣል እዩ። እቲ ጽማቝ ሓሳባት ኣብቲ ቐንዲ ጽሑፍ ንዘሎ ዝርዝር ስለ ዘየጠቓልል፡ እቲ መምህር ነቲ ተምሃራይ ዜድልዮ ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው ጽቡቕ ገይሩ ኺዳሎ ይግብኦ። እቲ መምህር ነቲ ቐንዲ ጽሑፍ ተጠቒሙ ዚመርሕ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ነቲ ጽማቝ ሓሳባት ከም ክለሳ ገይሩ ኺጥቀመሉ ይኽእል እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ፦ እቲ ኣብ ተወሳኺ ሓበሬታ ዘሎ ቓላትን ሓሳባትን ኣብቲ ቐንዲ ጽሑፍ ብዘሎ መስርዕ እዩ ተቐሚጡ። እቲ መምህር ነቲ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ እዋን እቲ መጽናዕቲ ኺመያየጡሉ ዜድሊ እንተ ዀይኑ ባዕሉ ኺውስን ይኽእል እዩ።